ኣብ ህጹጽ እዋን፣ ናብ ሆስፒታል ህጻናት Astrid Lindgren’s፣ ብምካድ ተወከሱታ
ሆስፒታል ህጻናትን መንእሰያትን Sachsska፣ ወይ ድማ ክፍሊ ሓደጋን ህጹጽ እዋን ረድኤትን ህጻናት ኣብ ሆስፒታል Karolinska Huddinge
ኣብ ህጹጽ እዋን፣ ናብ ሆስፒታል ህጻናት Astrid Lindgren’s፣ ብምካድ ተወከሱታ
ሆስፒታል ህጻናትን መንእሰያትን Sachsska፣ ወይ ድማ ክፍሊ ሓደጋን ህጹጽ እዋን ረድኤትን ህጻናት ኣብ ሆስፒታል Karolinska Huddinge
ንህጹጽ እዋን ክንክን ማህጸን፣ ናብ Karolinska ሆስፒታል ኣብ Huddinge ኣብ ዝርከብ፣ Danderyd ሆስፒታል ወይ ድማ Söder ሆስፒታል ኬድክን ክትረኣይኦ ንመክር።
ንህጹጽ እዋን ናይ ዓይኒ ጸገማት፣ ናብ St. Erik ሆስፒታል ዓይኒ ብምካድ ተወከሱ።
ኣብ ክፍሊ A&E፣ ሓካይም፣ ነርስታትን ተሓጋገዝቲ ነርስታትን ከም ጋንታ ብሓባር ይሰርሑ።
ኣብ ክፍሊ A&E ምስ በጻሕኹም፣ ኩነታትኩም ክሳብ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ንምፍላጥ ናይ መጀመርታ ገምጋም ይግበር። እዚ ማለት ብዛዕባ ምልክታትኩም፣ ሕክምናዊ ታሪኽኩም፣ ኣገደስቲ መለክዒታት ከም ጸቕጢ ደም፣ ናህሪ ደምን ምምላእ ኦክስጅንን ይምርመሩን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ናሙና ደም ይውሰዱን ማለት እዩ። ብድሕሪኡ ብተመሳሳሊ ሕብርን ቁጽርን ቀዳምነት ዝወሃበኩም ደረጃ ክምደበልኩም እዩ። ብመሰረት እቲ ዝግበር ገምጋም፣ ኩነታትኩም ህጹጽ እንተኾይኑ ወይ ክትጽበዩ ወይ ድማ ብቕልጡፍ ብሓኪም ክትረአዩ ከድልየኩም ይኽእል እዩ።"
እቲ ተራኹም ናብ ሓኪም ምስ በጽሐ፣ ዝያዳ ኩለመዳያዊ ምርመራ ክትረክቡ ኢኹም፣ እዚ ዝርዝር ሕቶታት፣ ኣካላዊ ርመራ፣ ዳግመ ግምት ውጽኢት ምርመራ፣ ወዘተ ከጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣብ ድሌታትኩም ተመርኲስና፣ ብዛዕባ ዝኾነ ተወሳኺ ሕክምና፣ ምርመራታትን ምክትታልን ውሳነታት ይውሰድ። ብድሕሪኡ ናብ ገዛኩም ከይድኩም ብመባእታዊ ክንክን/ብናይ ከባቢ ክሊኒክ ክትከታተሉ፣ ወይ ድማ ኣብ ሆስፒታል ክትኣትዉ ከምዘድልየኩም ክውሰነልኩም እዩ።
ናይ ገዛእ ርእስኹም ቴለፎን እንተዘይብልኩም ወይ ናይ ሞባይል ሽፋን እንተዘይብልኩም፣ ካባና ቴሌፎን ተቀቢልኩም ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ መዕረፊ ክፍሊ ክትካረዩ እትኽእሉ ናይ ሞባይል ቻርጀር እውን ኣሎ እዩ። ናይ A&E ሰራሕተኛታት ሓላፍነት ናይዚኦም ኣይኮኑን፣ ኣብ መዕረፊ ክፍሊ ኣብ ሞባይል ቻርጀር ዘሎ ትካል እዩ ክትረኽብዎም ዘለኩም።
ሽቓቕ ኣብ ክፍሊ A&E ኣብ ብዙሕ ቦታታት ይርከቡ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ በሪ ኣብ መሬት ወይ ኣብቲ ዝመልከቶ ማዕጾ ዘሎ ምልክታት ርኣዩ።
ብሰንኪ ቃንዛ ከብዲ ወይ ሰዓል ህጹጽ እዋን ክንክን ምስ ዘድልየኩም እዋን፣ ናሙና ሽንቲ ክትህቡ ንደሊ። ስለዚ ክኣ፣ ቅድሚ ናብ ሽቓቕ ምኻድኩም ምስቶም ሰራሕተኛታት ርክብ ብምግባር ስምኩም ዝተጸሓፈሉ ኩባያ ሽንቲ ክወሃበኩም እዩ። እቲ ናሙና ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ሽቓቕ ዘሎ መንደቕ ኣብ ዘሎ ነዃል ግደፎዎ ወይ ድማ ነዃል እንተዘይሃልዩ ኣብ መሬት ግደፍዎ እሞ ባዕሎም እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ካብኡ ንትንተና ክእክብዎ እዮም።
መጀመርታ ብሕክምናዊ ምኽንያት ክትጸሙ ትክእሉ ዲኩምን ኣይትክእሉን ዝብል ክትምርመሩ ኣለኩም። ንሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ዝኮነ ሕተቱ!
ብሰንኪ ቃንዛ ከብዲ ናብ ክፍሊ A&E ምስ እትኸዱ፣ ብሓፈሻ ንኸይትበልዑን ከይትሰትዩን ንሓትት፣ እዚ ድማ ኩነታትኩም ከይገድድ ወይ ዝኾነ መጥባሕቲ ከይትደናጉዩ ምኽንያቱ ጾምኩም ስለዘይጸናሕኩም እዩ።
ኣብተን መዕረፊ ክፍልታት ገለ ክትበልዑን ክትሰትዩን እትኽእሉለን መሸጢ ማሽናት ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ ክፍሊ A&E ኣብ ነዊሕ ናይ መዕረፊ ግዜ ቡን ናይ ምውሳድ ዕድል እውን ኣለኩም እዩ።
እቲ ሆስፒታል በጻሕትን ሕሙማትን ዝራኸብሉን ኢንተርነት ክጥቀሙሉን ዝኽእሉሉ ክፉት ገመድ ኣልቦ መርበብ ኣጋይሽ ኣለዎ እዩ። ናብቲ ክንጥቀመሉ እንደሊ መርበብ ንምጽንባር ብነጻ ኮይኑ ዝርዝር መእተዊ ኣየድልን እዩ።
ምስቲ ገመድ ኣልቦ መርበብ ኣጋይሽ፣ CSTG-PUB ንምርካብ፣ በቲ ልሙድ መንገዲ ብተሌፎንኩም/ታብሌትኩም/ኮምፒተርኩም ኣቢልኩም ከተራክቡ ትክእሉ ኢኩም። ድሕሪኡ ሓድሽ መስኮት መርበብ ሓበሬታ ምስ ውዕል ኣጠቓቕማናን "Connect" ዝብል መጠወቒን ክኽፈት እዩ። ነቲ ናይ ኣጠቓቕማ ሕግታት ንምስምማዕ ጽቀጥዎ እሞ፣ ድሕሪኡ ኢንተርነት ምጥቃም ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም።
Apotek Hjärtat ኣብቲ ቀንዲ መእተዊ በሪ ይርከብ። ናይ ስራሕ ሰዓታት ካብ ሰኑይ-ዓርቢ ካብ 8፡00-18፡00፣ ቀዳም 11፡00-15፡00 ኣብ ዘሎ እውን እዩ። ቴሌፎን፦ 0771-405 405።
Apotek Scheele ኣብ Klarabergsgatan 64 24/7 ክፉት እዩ።
Apotek Hjärtat ኣብ Ica Maxi Lindhagensgatan 118. ናይ ስራሕ ሰዓታት መዓልታዊ ካብ 8፡00-22፡00 ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።
ኣይፋልን፣ ቆጸራ ምሕዛዝ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ዝያዳ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ሰብ ብዝቐልጠፈ ናብ ሓኪም ክኸይድ እዩ።
ናብ ገዛኹም ክትከዱ እንተመሪጽኩም፣ ብናይ ገዛእ ርእስኩም ሓልፍነት ትወስዱ ኣለኩም ማለት እዩ። ናብ ገዛኹም ክትከዱ ኣብ እትደልዩ እውን ንሕና ክንደልየኩም ከይንኸይድ ምእንታን ኣፍልጡና።
ሓደ ዘመድ ምሳኩም ናብ ክፍሊ A&E ክኸይድ ይኽእል እዩ። ኣብ ፍሉይ ኩነታት፣ ድሕሪ ውልቃዊ ገምጋም ድማ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሰባት ምሳኹም ክኮኑ ይኽእሉ እዮም።
እቲ መዕረፊ ክፍሊ ጸጥታ ዘለዎ ክመስል ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን ብኣምቡላንስ ወይ ብቃሬዛ ዝመጹ ሕሙማት ብቐጥታ ናብ ክፍሊ A&E ይኣትዉ እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ክፍሊ A&E ዝርከቡ ሕሙማት ኣብ መዕረፊ ክፍሊ፣ ክፍልታት ምርመራ ወይ መከታተሊ ጣብያታት ኣይረኣዩን እዮም። ገለ ካብዞም ሕሙማት ብጽኑዕ ዝሓመሙን ብመንጽር ሰራሕተኛታትን ግዜን ብዙሕ ወጻእታት ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሪፈራል ማለት እቲ ናብዚ ንክትመጹ ዝለኣኸኩም ማእከል ጥዕና ወይ እቲ ናይቲ ከባቢኩም ህጹጽ እዋን ክሊኒክ ኣብዚ ኣብ ክፍሊ A&E ክትግልገሉ ከምዘለኩም ይኣምን ማለት እዩ። ልክዕ ከም ካልኦት ኣብ ምልክታትን ኣገደስቲ መለክዕታትን ተመርኲስኩም፣ ቀዳምነት ክወሃበኩም እዩ።
ኩሎም ሕሙማት፣ ብእግሮም ይኹን ብኣምቡላንስ ዝመጹ ብዘየገድስ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ክፍሊ A&E ምስ በጽሑ ዝግበር ሕክምናዊ ቀዳምነት/ገምጋም ይሕከሙ። ስለዚ ክኣ፣ ብኣምቡላንስ ምምጻእኹም ካብ ብታክሲ ዝመጸ ሰብ ብዝቐልጠፈ ሓገዝ ክትረክቡ ኢኹም ማለት ኣይኮነን።
ኣብ ክፍሊ A&E ምስ በጻሕኹም እቲ ቀዳማይ እንገብሮ ነገር፣ ኩነታትኩም ምፍላይ/ምግምጋምን ምስ ካልኦት ሕሙማት ብዝተተሓዘ ክሳብ ክንደይ ብቅልጡፍ ክትረአዩ ከም ዘለኩምን እዩ። እዚ ቀዳምነት ሓደስቲ ሕሙማት ናብ ክፍሊ A&E ምስ ዝኣትዉ ክቕየር ይኽእል እዩ። ኣይረሳዕናኩምን ኢና!
ክፍሊ ራጂ ካብ መላእ ሆስፒታል ንዝመጹ ሕሙማት ዘገልግል ኮይኑ፣ ልክዕ ከምቲ ንሕና ኣብ ክፍሊ A&E ዘለና፣ ነቶም ኣዝዩ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም ሕሙማት ቀዳምነት ክህቦም ኣለዎ። ንሕና ኣብ ክፍሊ A&E ዘለና ዝርዝር መዕረፊ ራጂ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና፣ እዚ ማለት ድማ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተራኹም መዓስ ምዃኑ ፍሉይ ግዜ ክንህበኩም ኣይንኽእልን ኢና።
እቶም ኣዝዮም ብኸቢድ ዝሓመሙ ሕሙማት ኩሉ ግዜ መጀመርታ ይሕከሙ፣ ስለዚ እቶም ቕልል ዝበለ ሕማም ዘለዎም ክጽበዩ ክግደዱ ይኽእሉ እዮም። ናይ ሕማም ምልክታትኩምን ኣገደስቲ ዝበሃሉ ምልክታትን ኣብ ግምት ብምእታው ብዝተዋህበኩም ቀዳምነት ደረጃ ብሓኪም ክትረኣዩ ኢኹም።
ሓድ ሓደ ግዜ ብእግሮም ይኹን ብኣምቡላንስ ኣብ ሓደ እዋን ዝመጹ ሕሙማት ብዙሓት እዮም። ኣምቡላንሳት እውን ብሰማያዊ መብራህቲ ይበጽሓ እሞ እቲ ሕሙም ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሕዱር ኩነታት ዘለዎ ኮይኑ ብቕልጡፍ ክሕከም ኣለዎ። እዚ ማለት ምጽባይኩም ነዊሕ እዋን ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ግን ድማ ክሳብ ክንደይ እዋን ክትጽበዩ ከም ዘለኩም ኣቐዲምና ክንገልጽ ኣይንእእልን ኢና።
ንገለ ኩነታት ክበሃል ክሳብ ሓኪም ዘይረኣየኩም ዝኾነ ዓይነት መቐነሲ ቃንዛ ክንህበኩም ኣይንኽእልን ኢና። ቃንዛኹም ክትጻወርዎ ዘይትኽእሉ ኮይኑ እንተተሰሚዕኩም፣ በጃኩም ንሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ዝኮነ ንገርዎ።
ኣብ ሓደ ካብቶም መዕረፊ ክፍልታትና ኣዕሪፍኩም እንተሃሊኹም፣ ምስ ሓደ ኣባል ሰራሕተኛታትና ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ምስቲ ኣብቲ ሓላፍነት ሒዙ ቆጸራ ዘትሕዝ ሰብ ተዘራረቡ። ናይ ኣላርም መጠወቒ እንተሃልዩ፣ እንተተጠቒምኩም እቲ ዝበለጸ እዩ፣ ሽዑ ኣባል ሰራሕተኛታት ክመጽኣኩም እዩ። ኣባል ሰራሕተኛታት ንምርካብ ክትብሉ ተዘይትዘውሩ እቲ ዝበለጸ እዩ፣ ንብሕትውናኹምን ድሕንነት ኩሉ ሰብን ምእንቲ ክብሃል ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ቦታኹም ክትጸንሑ ይግባእ።
እቶም ዝተፈላለዩ ቁጽርታት ነቶም ክንዕቅኖም እንደሊ ኣገደስቲ መለክዒታት ዝውክሉ እዮም፣ ማለት ድማ ጸቕጢ ደም፣ ናህሪ ደም፣ በዝሒ ኦክስጅን፣ ህርመት ልቢ ዝውክሉ እዮም። ብሓገዝ እዚኣቶም ኣብ ጥዕናኩም ዝርአ ዝኾነ ለውጢ ክንከታተል ንኽእል ኢና። ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዘለዉ ሰራሕተኛታት እውን ነቶም ስክሪናት ክርእይዎም ይኽእሉ እዮም፣ ዋላ እውን ንዓኩም እንተዘይተሰምዓኩም ንከታተለኩም ኣለና ኢና።
ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን መጠወቒ ጽቐጥዎ እሞ ሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ክሕግዘኩም ክመጽእ እዩ። ኩነታትኩም ርጉእ እዩ ኢልና እንተ ገምጊምናዮ፣ ንግዚኡ ነቶም ገመዳት ካብ ሰውነትኩም ክንኣልዮም ንኽእል ኢና። ካብኡ ድማ፣ ምስ ተመለስኩም ነቲ መጠወቒ እንደገና ጽቐጥዎ እሞ ንኹሉ ብትኽክል ዳግማይ ከተራኽብዎ ክንሕግዘኩም ኢና።
ኣብ ሆስፒታል ክትጸንሑ እንተድኣ ደሊኩም፣ ብጽሩይ ክዳውንቲ፣ ብብራሽ ስኒ፣ ብመሸንተሪ ወዘተ ዝኣመሰሉ ንብረት ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና።
መጓዓዝያ ሕሙማት ብሕክምናዊ መንገዲ ምኽንያታዊ ክኸውን ኣለዎን ናይ ሕሙማት መጓዓዝያ መሰል ኣለኩም ድዩ የብልኩምን ዝብል ገምጋም ድማ ብወሃቢ ኣገልግሎት ሕክምና ክፍጸም ኣለዎ። ናይ ሕሙማት መጓዓዝያ እንተተዋሂብኩም፣ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ሰማያዊ ናይ ሕሙማት መጓዓዝያ ካርድ ጉዕዞ ክትሰቀሉ ክሕግዝኹም እዮም። ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ካርድ እንተሃልዩኩም፣ ናብ ኣባል ሰራሕተኛታት ዝኮኑ ኣረክብዎ። ቅድሚ ሕጂ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ተዋሂብኩም እንተነይሩ፣ ናይ ሕሙማት መጓዓዝያ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም እዩ።
ነዊሕ ምጽባይ ምግዳድ ተስፋ ዘቑርጽ ክኸውን ከም ዝኽእል ንርዳእ ኢና። ይኹን እምበር፣ ዝኾነ ዓይነት ጽልኢ፣ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ኣይንቕበልን ኢና። እዚ ስራሕና ስለዝኾነ ብኣኽብሮት ክንሕዘኩም ንጽበ። እዚ እንተዘይኮይኑ፣ ካብ ክፍሊ A&E ንኽዕጅበኩም ናብ ሓለውቲ ጸጥታ ክንድውል ንኽእል ኢና። ምፍርራሕን ዓመጽን ናብ ፖሊስ ክሕበር እዩ።
ብዛዕባ እቲ ካባና ዝረኸብኩሞ ክንክን ዝኾነ ርእይቶ፣ ሓሳብ ወይ ጥርዓን ምስ ዝህልወኩም፣ ምስ ተወከልቲ ሕሙማትና ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። https://capiostgoran.se/mottagningar-och- avdelningar/patientvagledare/
ሕክምናዊ መዛግብትኹምን ውጽኢት ምርመራኹምን ኣብ 1177 ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ቅዳሕ ናይ ሕክምናዊ መዛግብትኹም ክትሓቱ እንተድኣ ኣድልዩኩም፣ በጃኹም ንኣገልግሎት ሕክምናዊ መዛግብቲ ብቴሌፎን ቁጽሪ 08- 5870 1268 ደዊልኩም ተወከሱ።
መብዛሕትኦም ሰባት ናብ ኣስራሒኦም ሕክምናዊ መዘኻኸሪ ከየቕረቡ ን7 መዓልታት ኣብ ገዛ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም። ናብ ክፍሊ A&E ክትበጽሑ ከለኹም ካብ ስራሕኹም ንልዕሊ 7 መዓልታት ኣብ ገዛኹም ምጽናሕ ከድልየኹም እዩ ኢልኹም እንተሓሲብኩም፣ ምስ ሓኪምኩም ተዘራረቡ። ድሕሪ ምብጻሕኩም ናብ ክፍሊ A&E ብዛዕባ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም፣ ንማእከል ጥዕናኹም ተወከሱ።
እወ ትኽእሉ ኢኩም፣ ነቶም ካብቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ሕተትዎም። እቲ ሰነድ ኣብዚ ዝነበርኩምሉ ዕለትን ሰዓትን ዘርኢ እዩ፣ ምኽንያት ምብጻሕኩም ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህብን እዩ።
